Mulugeta Beyene - Hiwet Gual Asmara - R.I.P.

  • 8 years ago
"ድምጻዊ ሙሉጌታ ኣብ ትግራይ ኣብ ውቕሮ ክልተ ኣውላዕሎ እዩ ተወሊዱን ዓብዩን። ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝጸነሓሉ 23 ዓመታት ድማ በታ ኣብ 1977 ዓ.ም ዝወጸት ካሴቱ ይዝከር።

ብፍላይ "ዘይምፍቃር ይሓይሽ ከም ባሕታዊ ገዳም፣ ጥሪ ዝሃበትኒ፣ ህይወት ጓል ኣስመራ፣ ዓርኰኮባይ" ዝብላን ካልኦትን ደርፍታቱ ብዙሓት ይፈትውዎን።
ድምጻዊ ሙሉጌታ ኣብ መቐለ ዓይደር ላዕለዋይ ሕክምና ንሰለስተ ኣዋርሕ ክሕከም ድሕሪ ምጽናሕ ኣብዚ ሰሙን'ዚ 12/04/2016 ሰሉስ ምሸት እዩ ዓሪፉ።
ወዲ 58 ዓመት ድምጻዊ ሙሉጌታ በየነ በዓል ሓዳርን ኣቦ 6 ቆልዑን እዩ ነይሩ።"
VOA Tigrigna ቂሔ - ጽልሚ

Category

🎵
Music

Recommended